Skip to main content

ኤርትራ፤ ሳዕቤን ዕስክርና ኣብ ትምህርቲ

ተመሃሮን መምህራንን ካብ ትምህርቲ ንምብዃርን ናብ ስደት ንምውሓዝን ይድርኽ

ስእላዊ ሓበሬታ © ዲጂታልግሎብ - ማክሳር ቴክኖሎጂስ 2019; ምንጪ: ጉግል አርዝ።

(ናይሮቢ፣ 9 ነሓሰ 2019) – ናይ ኤርትራ ንካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ከም መትረብ ዕስክርና ብምግባር ናብ መወዳእታ ዘይብሉ መንግስታዊ ኣገልግሎት ንኽኣትዉን፡ ንመምህራን ኣብ ዕስክርና ምእታውን ነቶም ተመሃሮን መምህራንን ናብ ናይ ኣስገዳድ ሽቅለት ንኽኣትዉን፣ ኣካላዊ ማህሰይቲ ንክወርዶምን ይድርኽ ኣሎ ክብል ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት (Human Rights Watch) ኣብቲ ሎሚ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ይገልጽ። 

እቲ 84-ገጽ ዘለዎ ጸብጻብ፡ “ብናይ ትምህርቲ ዕድል ብምኽላእ ባራዩ ከምንኽውን ይገብሩና ኣለዉ፤ ገደብኣልቦ ዕስክርና ብኸመይ ንመሰል ትምህርቲ መንእሰያት ኤርትራ ከምዝእግድ" ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ኰይኑ፤ ብኸመይ መንግስቲ ኤርትራ ብሓይሊ ንኣሽሓት መንእሰያት፣ ገሊኦም'ውን ቆልዑ ዓመታዊ ትምህርቶም ከይወድኡ ናብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ከም ዘውሕዝ ይስንድ። ብተወሳኺ፡ እቲ መንግስቲ ኣብ ክንዲ ጻዕረኛታትን ብግቡእ ዝሰልጠኑን ናይ ካልኣይ ደረጃ መምህራን ዘማዕብል፡ ንመምህራን ኣብ ገደብ ኣልቦ ዕስክርና ብምእታው፡ እንታይ ከም ዝምህሩን ኣበይ ከምዝምህሩን ወላውን ናይ ምምህርና ድሌት ኣለዎምን የብሎምን ንኸፍልጡ ምርጫ ዝበሃል ኣይህቦምን። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ፖሊሲታት ድማ ኣብ ልዕሊ ስርዓተ ትምህርቲ ከቢድ ተጽዕኖ ፈጢሮምን፡ ብዙሓት መንእሰያት ሃገሮም ራሕሪሖም ናብ ስደት ክውሕዙን ደሪኹ ይርከብ።

ስእላዊ ሓበሬታ © ዲጂታልግሎብ - ማክሳር ቴክኖሎጂስ 2019; ምንጪ: ጉግል አርዝ።

We spoke with Senior Researcher Laetitia Bader about Eritrea’s conscription program and the huge risks teachers and students take to escape from it.

READ THE INTERVIEW

 "ናይ ኤርትራ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ፡ ኣብቲ ቀንዲ ሕመረት ጭቆና ናይቲ ስርዓት እዩ ዝርከብ" ክትብል ናይ ኣፍሪቃ ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ላዕላወይቲ ተማራማሪት ላተንሽያ ባደር (Laetitia Bader)ሓቢራ። "ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ኰይኑ ኣሎ: እዚ ድማ ኣብ ሰብኣዊ መሰላትን ናጽነት: ብናይ መንእስያት መሰል ነጻነት ዘውሕስ ለውጥታት ክተኣታቶ ኣለዎ" ድማ ትብል።

መጻኢ ስርዓተ ትምህርቲ መዋእሉ ኣይኮነን ፈጺሙ ጸልማት ኰይኑ ጸኒሑ። ድሕሪ ናጽነት፡ እቲ መንግስቲ ካልኣይ ደረጃ ዘጠቓለለ ነጻ ትምህርቲ ንኹሉ ክወሃብ፡ የተባብዕ ነይሩ እዩ። እንተዀነ፡ ካብቲ ናይ 1998 ደማዊ ዶባዊ ኵናት ምስ ኢትዮጵያ ጀሚሩ፡ ድሕሪኡውን፡ እቲ ናይ ኵናት ሃዋህው ኣብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ኣዝዮ ኣዕናዊ ዝኾነ ሳዕቤናት እዩ ኣኸቲሉ። እቲ መንግስቲ ነቲ "ኣይ ሰላም ኣይ ኵናት" ዝዀነ ኵነታት፡ ዓቢ ሚእታዊት ናይቲ ልዕሊ ዕድመ ዝዀነ ኤርትራዊ ህዝቢ፡ ናብ ናይ መወዳእታ ኣልቦ ዝዀነ ወተሃደራዊ ይኹን ሲቪላዊ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት ንምእታው ተጠቒሙሉ።  

ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት(Human Rights Watch)፡  ምስ 73 ተመሃሮን መምህራንን ካልኣይ ደረጃ ነበርን፤ ኣብ ሞንጕ 2014ን መወዳእታ 2018ን ወይ ኣብ ዕስክርና ከለዉ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝከታተትሉ ዝነበሩ ወይ ከኣ ወተሃደራት ከለዉ መምህራን ኰይኖም ዘገልገሉ ዝነበሩ ቃለ‐መሕትት ኣካይዱ።  ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ስደት ዝርከቡ ኰይኖም፡ ገሊኦም ኣብ ሱዳን፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጣልያንን ስዊዘርላንድን ዝነብሩ ዘለዉ እዮም። ብተወሳኺ፡ ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ነቲ ዓማጺ ዝዀነ ስርዓተ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብኸመይ ንካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ከምዝጸለዎ ንምምርማር፡ ምስ 18 ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ዝዀኑ ክኢላታት እውን ቃለ‐መሕትት ኣካይዱ እዩ።

መደምደምታ መጽናዕቲ ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘርእዮ፤ ወላኳ እቲ መንግስቲ ኣብ ትምህርቲ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ መባእታ ደረጃን ኣብ ናይ ሞያ ስልጠናታትን ምምሕያሽ ኣተኣታትዩ እንተሎ፡ ነቲ ጨቋኒ ዝዀነ እሞ ንመሰላት ተመሃሮ ዝደቍስን ብቑዕ ትምህርቲ ከይረኽቡ ዝቕይድን ስርዓቱ ኣይቀየሮን ኣሎ። ዓመታዊ እቲ መንግስቲ ንካልኣይ ደረጃ ተመሃሮ፡ ናይ መወዳእታ ዓመት ትምህርቶም ንኽከታተሉ ብማለት ናብ'ቲ ምሕዱግ ዝኾነ ወተሃደራዊ መዓስከር ሳዋ የውርዶም።

ሳዋ ብወተሃደራውያን ኦፊሰራት እትመሓደር ኰይና፡ እቶም ተመሃሮ ድማ፡ ብናይ ወተሃደራዊ ዲሲፕሊን ክቕየዱን፤ ሕማቕ ኣታሕዛ ክተሓዙን ወላ  ብሰሪ ቀለልቲ ጕድለታት እውን ኣካላዊ መቕጻዕቲ ንኽወርዶምን በስገዳድ ኣብ ስራሕ ከምዝጽመዱን እዩ ዝግበር። ሓደ ኣብ ሳዋ ትምህርቱ ኣብ 2015 ዝወደአ መንእሰይ ንተመኵሩኡ ብኸምዚ ዝስዕብ ይገልጾ፤ "ናብ ሳዋ

እንድሕር ኬድካ፡ ናቶም ርእሲ እምበር ናትካ ኣይትጥቀመሉን ኢኻ። ኣብኡ መጻእየይ ክርኢ ኣይከኣልኩን። ተስፋይ ኵሉ ጸንቂቐ ነይረ።"

ገለ ገለ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኮነ ኢሎም ኣብ ትሑት ደረጃ ትምህርቲ ንኽጻንሑ ብማለት ኣብ ትምህርቲ ከምዝተርፉ ይገብሩ። ገሊኦም ከኣ ፈጺሞም ትምህርቲ የቋርጹ፡ እንተዀነ፡ በቲ መንግስቲ ከይግፈፉ ኣብ ፍርሂ ይነብሩ። ናይ ተመሃሮ ካርድ ዘይብሎም ኣብ ግፋ ዝተታሕዙ መንእሰያት ብቐጥታ ናብ ወተሃደራዊ ታዕሊምን ኣገልግሎትን ከም ዝኣትዉ እዩ ዝግበር።

ትምህርቶም ምስ ወድኡ፡ እቶም ተመሃሮ ወይ ናብቲ ገደብ‐ኣልቦ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ወይ ከኣ ናብ ኮለጅ እዮም ዝኣትዉ። እቶም ኣብ ኮለጅ ዝኣትዉ ኣብ መወዳእታስ ኣብ ናይ መንግስቲ ስራሓትን ኣብ ምምህርና ካልኣይ ደረጃን ዝምደቡ ኰይኖም ኣገልግሎቶም ናይ ግዜ ገደብ የብሉን። ወላኳ እቲ መንግስቲ ካብ 2015 ጀሚሩ ንመምህራን ደሞዞም ዝኸፍሎም እንተዀነ፡ ንመሰረታውያን ነገራት ክረኽቡ ከማን ዘይኣኽሎምን፡ ብፍላይ ስድራቤት ዘለዎም እንተዀይኖም ከኣ እቲ ደሞዝ ፈጺሙ ከምዘይኣኽሎምን እዮም እቶም መምህራን ንተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ሓቢሮም።

"መወዳእታ ዘይብሉ ኣገልግሎት እዩ" ይብል ሓደ ወዲ 25 ዓመት ዝዀነ ቅድሚ ኣብ 2018 ካብ ሃገር ምውጽኡ ኣብ ሳዋ ክምህር ዝተመደበ መንእሰይ። "ኣብ ውትህድርና ከለኻ ፊዚክስ ክትምህር እንተተመዲብካ መዋእልካ ናይ ፊዚክስ መምህር ኮንካ ኢኻ ትነብር" ይብል ንሱ።

መብዛሕትኡ እዋን፡ ደረጃ ትምህርቲ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣዝዩ ሕማቕ እዩ። ምኽንያቱ እቶም መምህራን መብዛሕትኦም ወይ ኣብ ቦትኦም የለዉን ወይ ከኣ ሕጕሳት ኣይኰኑን። ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዘረጋገጾ፡ ብዙሓት መምህራን ንወጻኢ ይሃድሙ እዮም። ሓደ ሓደ ግዜ ተመሃሮ ንሳምንታት ዝኣክል ብዘይ መምህራን በይኖም ይቕንዩ።

ንመብዛሕትኦም ተመሃሮን መምህራንን፡ እታ እንኮ ዝሓሸት ነቲ ስርዓት ከተምልጠላ እትኽእል ናብ ስደት ምኻድ እያ። እቶም ኣብ ህድማ ከለዉ ዝተሓዙ ተመሃሮን መምህራንን ድማ ናይ ማእሰርትን ሕማቕ ኵነታትን ሓደ ሓደ ግዜ ከኣ ከም መግረፍቲ ዝኣመሰለ ኣካላዊ በደል ሓደጋታት የንጸላልዎም። ካብቶም ዓመታዊ ካብ ኤርትራ ዝወጹ መንእሰያት፡ ዓቢ ክፋሎም ተመሃሮን መምህራንን እዮም። ብመሰረት ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወኪል ስደተኛታት (United Nations Refugee Agency) ብዙሓት ኣብ ኤውሮጳ ዝኣትዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣላዪ ዘይብሎም ቆልዑ እዮም።

መንግስቲ ኤርትራ እዚ ዘተኣታትዎ ዘሎ ምምሕያሽ ትምህርቲ ነቲ ጨቋኒ ዝዀነ ስርዓት ዘወግድ ምዃኑ ከረጋግጽ ይግባእ። እቲ ንተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ዝወሃብ ናይ ኣስገዳድ ወተጋደራዊ ታዕሊም ደው ከብሎን፡ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ኣብ ዕስክርና ከይኣትዉ ከረጋግጽን፡ ናይ ምምህርና ቦታታት ድማ ብብቑዓትን ንኽምህሩ ወለንተኛታት ዝዀኑን ሰባት ክተሓዝ ከምዘለዎን ከረጋግጽ እግባእ።  

"ቀንዲ ኣብ ናይ ኤርትራ መጻኢ ኣገደስቲ ዝዀና ነጥብታት፤ እቲ ጨቋኒን ገደብ ኣልቦን ሃገራዊ ኣገልግሎት ክቋርጽን፡ ግፍዒ ንዝፈጸሙ ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ግቡእ ፍርዶም ክወሃቦምን፡ ተመሃሮ መጻኢኦም ባዕሎም ክውስኑ ክኽእሉን ምስዝግበር እዩ" ትብል ባደር። "እቶም ብሩህ መጻኢኦም ኣብ ኤርትራ ዝረኣዮም መንእሰያት ሃገሮም ገዲፎም ናብ ስደት ክኸዱ ኣይምደለዩን" ትብል ንሳ።

Your tax deductible gift can help stop human rights violations and save lives around the world.

Region / Country